Aba Aregawi

Aba Aregawi Contact information, map and directions, contact form, opening hours, services, ratings, photos, videos and announcements from Aba Aregawi, Grocers, Addis Ababa.

28/01/2026
እምነቶሙ ለአበው !🌿🌿🌿❝ሰብ ማለት ዘይተነበበ መጽሐፍ እዩ❞💥 ቀዳማይ ፈታዊኻ ዝኾነ ሰብ አብዚ ዓለም አዝዩ ውሕድ እዩ ። ባህግታትካን ስሚዕታትካን ትልምኻን ራኢኻን መጻኢኻ ብሩህ ተስፋኻ ን...
26/12/2024

እምነቶሙ ለአበው !🌿🌿🌿

❝ሰብ ማለት ዘይተነበበ መጽሐፍ እዩ❞

💥 ቀዳማይ ፈታዊኻ ዝኾነ ሰብ አብዚ ዓለም አዝዩ ውሕድ እዩ ። ባህግታትካን ስሚዕታትካን ትልምኻን ራኢኻን መጻኢኻ ብሩህ ተስፋኻ ንመን ከም ትነግሮ አስተውዕል ። ትምህርቲ ድንቁርና እምበር ዕሽነት አይቐርፍኝ አያጥፍእን እዩ ። ካብ ዓያሹ ፈላጣት ሊቃውንቲ መምህራን ኢና ዝብሉ ንባዕሎም ዘይተለወጡ ሰብ ክልውጡ ዝፅዕሩ ተጠንቀቕ አይትድከም ፍረ ዘይብሉ ባጫ ምሸላ እዮም ውፂኢቱ ፍረ ዘይብሉ ድኻም ጥራሕ እዩ ዝኸውን ። ሚእቲ ጥቕልልቲ ቅርሺ ብሓደራ ክታቕምጠሉ ዘሃበካ ሰብ ክልተ ሓምሳ ጌርካ አይትመልሰሉ ። ምኽንያቱ ሓደራ ዝጠልም ፣ ብቃሉ ዘይርከብ ፣ መትከል ዘይብሉ ፣ ባዕሉ ዘይኸውን ፣ እምነት ምጉዳል እቲ ዘሓሰረ ተግባር እዩ'ሞ እሙን ኩን ።

💥 ሓደ ሰብ ብዙሕ ዝገበርካሉ ዝሰራሕኻሉ ሰብ ብዙሕ ክጎድአካ ይኽእል እዩ'ሞ ። ፅቡቕ ስራሕ ንባዕልኻ እዩ ፤ ፅቡቕ ብምስራሕኻ ካብ እግዚአብሔር ዋጋኻ ክትረክብ ኢኻ ። ሰብ ግና ጥፍኣትካ ስለ ዝሓስብ ተዳሊኻሉ ፅናሕ ደሓር ከይትጉዳእ ። አይኮነን ዝወጠንካዮ ዝሓዝካዮ እውን ይወድቀካ እዩ ። ሓደ ነገር ክትጅምር ከለኻ ተስፋኻ ብእግዚአብሔር ይኹን ፤ ተስፋ ዘለዎ ሰብ ብግዚኡ አብ ዘሓሰቦ ይበጽሕ እዩ ፤ ተስፋ አይትቑረፅ ሰጉም ንቕድሚት ። እናርሓቕካዮ ዘይርሕቐካ ከብዲ ወላዲት ጥራሕ እዩ ። ወላዲት ሕይወት ሂባ በኣኻ ሰንኪ ሕይወታ ትስእን ፤ ወላዲት እንተሞይታ መተካእታ ዘይብላ ሰብ ኢያ እናሃለወት አኽብራ ተኸናኸና ወላዲተይ በላ ።

💥 ምሉእ ልብኻ ዘሃብካዮም ሰባት ዓሻ ወይከዓ ዘይሰልጠነ ፋራ ሰብ እዩ ይብሉኻ ። ናይ ሓደ ሰብ ልቡና ወይ ከዓ ሓሳብ ደስ ዝብለካ በዘይካ እግዚአብሔርን በዓሉ እቱ ሰብ ምንም ውሽጥኻ እንታይ ከም ዝሓሰብካ ክፈልጠካ አይኽእልን እዩ እቲ ሓቂ ። ምሽጥርካ ባዕልካ ሓልው ሓዝ ናይ ልብኻ ሚዛን ብትኽክል አቕምጦ ባዕሉ ክምዝኖ እዩ ። ልብኻ ንመን ከምትህባ አስተውዕል አብ መውደቒቓ አውድቃ ። ብዙሓት ሰባት ከምቲ ንሕና ነሓስቦምን ንፈትዎምን አይኮኑን እዮም ። ናባኻ ክመፁ ፈተውቲ መሲሎም ይመፁ ካባኻ ዝደሊዎ ሓሳብ ወይ ከዓ ቁስ ነገር ስለዘሎ ሓወይ ፈታውየይ ይብሉኻ እታ ዝደሊዋ ምስ ረኸቡ ድማ ከም ሽንቲ ግመል ንድሕሪት ይኸዱ ። ዝግ ርግእ ኢልካ ተዓዘብ ከም ምስቲያት ፍንትው ኢሉ ክረአየካ እዩ ፤ ብትእግስቲ ጠምት ተመልከት ከዓ ብርሃን ክትርኢ ኢኻ ተስፋ ጥራሕ የሃልኻ ።

💥 ዘያድልየካ ሰብ ካብ ሕይወትካ ንምውፃእ አይትሰከፍ አርሒቕካ ደብርዮ መሊሱ ከይሬአካ ። ሓደራ ግና ከይትቅየም ሰብ ብትፈጥሮኡ ድኹም ስለ ዝኾነ እዩ ። ዘያድሊ ሰብ መድፈን መፃወዲያ ማለት እዩ ፤ ጊዜ ምስረኸበ ከም ዘይትለዓል ገይሩ ይሰብረካ ፣ ይቐትለካ ፣ ይቐብረካ ፣ ታሪኽካ ስም ዝክርኻ ያታ ይገብሮ እዩ ። ሞት ተዘይ መፀ ፀግዒ መሓዝ ጊዜ ክትገዝእ ይገብረካ እዩ ። ዘየሓልፍ ጊዜን መከራን የለን እዩ ። ኵሉ ሓላፊ እዩ ዘየሓልፍ የለን ፤ ንዝሓልፍ ጊዜን መከራን ዘየሓልፍ ፀሊም ታሪክ አብ ሕይወትካ ምጽሓፍ ግና ካብ ሞት ሞት እዩ ። ብዝኾነ ይኹን ክብረትካን ፣ መትከልካን ፣ ዓድኻን ናብ ዋጋ ዕዳጋ ከይትወርድ ተጠንቀቕ ።
እምነቶሙ ለአበው! 🌿🌿🌿
ዕለት 17/4/2017 ዓ.ም ።

Address

Addis Ababa

Website

Alerts

Be the first to know and let us send you an email when Aba Aregawi posts news and promotions. Your email address will not be used for any other purpose, and you can unsubscribe at any time.

Share

Category